ምንጪ ስእሊ, Getachew Reda
ፍሉይ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጓንግ ኮንግ ብዛዕባ ዞባዊ ጉዳያት ንምዝርራብ ኣብ ኢትዮጵያን ምብጻሕ የካይድ ኣሎ።
እቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ ዘሎ ወኪል፡ ምስ ሰበሰልጣን ኢትዮጵያ ብምርኻብ ብዛዕባ ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ተዘራሪቡ።
ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝኾነ ጌታቸው ረዳ ከምዝበሎ፡ ኣብቲ ምስቲ ፍሉይ ወኪል ዘካየዶ ርክብ ጉዳይ ሶማልያ፡ ሱዳንን ኤርትራን ተላዒሉ ነይሩ።
"ንኣዕናዊ ግደ ስርዓት ኤርትራ ብዝምልከት ኢትዮጵያ ዘለዋ መርገጺ ሰፊሕ መብርሂ ብምሃብ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ጀነራል ኣልቡርሃንን ዘካይድዎ ዘለዉ ንጥፈታት ዘርዚረ" ክብል ኣብ ማሕበራዊ ገጻት ጽሒፉ።
ሰራዊት ሱዳንን ኤርትራን ንኢትዮጵያውያን ተቓወምቲ "ብምዕጣቕን ብምውህሃድን፡ ከምኡ'ውን ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ተኸታታሊ ናይ ሰብ-ኣልቦ ፈነርቲ መጥቃዕቲ" ኣካይዶም ክብል ናብቲ ዲፕሎማሰኛ ከምዝጠርዐ'ውን ይጠቅስ።
ዝርርብ ክካየድ እንተኾይኑ ካርቱምን ኣስመራን ንኢትዮጵያውያን ተቓወምቲ ምዕጣቕን ምድጋፍን ደው ከብላ ኣለወን ክብል'ውን እቲ ኢትዮጵያዊ ሚኒስተር ገሊጹ'ሎ።
እንተኾነ "ኣብ ክንዲ ምትኳስ ምዝርራብ ዝበለጸ ምዃኑ ክልቴና ተሰማሚዕና" ብምባል'ውን ንዘተ ዘለዎ ቅሩብነት ኣሚቱ።
እቲ ፍሉይ ወኪል ዋና ጸሓፊ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ወኪል ኤርትራ ኣብቲ ውድብ ብምርኻብ ተመሳሳሊ ልዝብ ኣካይዱ ነይሩ።
End of ብብዝሒ ዝተነበ
ቀዋሚት ወኪል ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ብረቡዕ 4 ሕዳር ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ፡ ዝርርብ ክካየድ እንተኾይኑ፡ ኢትዮጵያ "ንናጽነት፡ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ንጹር ኣፍልጦ ክትህብ ኣለዋ" ክትብል ቅድመ-ኩነት ኣቐሚጣ።
"ምስ መሪሕነት ኢትዮጵያ ብዝኾነ ደረጃ ክህሉ ዝኽእል ጽምዶ፡ ቀዲሙ፡ ብወግዒ፡ ብዘየወላውል መገዲ፣ ጐነጽ፡ ምፍርራሕን ሓይሊ ምጥቃምን ብዘይቅድመ ኵነት ክሰሓብ ዝጠልብ'ዩ" ክትብል ንኣምባሳደር ጓንግ ኮንግ ከምዝገለጸትሉ ሶፊያ ተስፋማርያም ተነጽር።
"ውሽጣዊ ቅልውላዋት ኢትዮጵያ ናብ ደገ እናጸጋዕካ ዞባዊ ሰላም ክህነጽ ኣይክእልን'ዩ" ዝበለት ሶፊያ "ትርጉም ዘለዎ ልዝብ፣ ምትእምማን፡ ሓባራዊ ምክብባር፡ ልኡላዊ ማዕረነትን ቅንዕናን ዝሓትት እዩ" ኢላ።
ኤርትራ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ክትኣቱ ድሌት ከምዘይብላ'ውን እታ ኣምባሳደር ገሊጻ።
ኣስመራ ንህወሓትን ፋኖን ዝርከብዎም ሓያሎ ኢትዮጵያውያን ተቓወምቲ ከምእትድግፍ'ያ ኣዲስ ኣበባ ክትከስስ ጸኒሓ።
ብወገን ኢትዮጵያ፡ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ንምርካብ ይኹን ንምውናን ወተሃደራዊ ሓይሊ ክትወስድ ከምእትኽል ዝተፈላለዩ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን ሰበስልጣንን ከፈራርሑ ምጽንሖም ይፍለጥ።
ኤርትራ ብወገና ነቲ ስግኣት ንምክልኻል ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ኣዋርሕ ሓይልታት ምክልኻል ናብ ዶባት ብምጽጋዕ ናይ ምኽታት ምንቅስቓሳት ክተካይድ ከምዝጸንሐት ጸብጻባት ካብታ ሃገር ይሕብሩ።
ምንጪ ስእሊ, Sophia Tesfamariam
እዘን ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ ፍርቂ ክፍለዘመን እንተርፎ ኣብ ውሱን ዓመታት ካብ ኲናትን ኩነተ-ኲናትን ዘይዓረፋ ሃገራት ናብ ዳግማይ ደማዊን ኣዕናዊን ግጭት ክይኣትዋ ኣብቲ ዞባ ዓቢ ስግኣት ተፈጢሩ ይርከብ።
ሩስያን ቻይናን ዝርከብአን ምስ ክልቲአን ድሓን ዝምድና ዘለወን ሃገራት ነቲ ወጥሪ ንምህዳእ ዝርርብ ክግበር ክደፋፍኣ ጸኒሐን'የን።
እንተኾነ ዛጊት ብክልቲኡ ሸነኽ ናይ ልዝብ ይኹን ጽምዶ ሸውሃት ከምዘየሎ ዘቕርብኦ ዘለዋ ቅድመኩነታት ዝእምት'ዩ።
ቻይናዊ ጓንግ ኮንግ፡ ኣብ ሓምለ 2025 ፍሉይ ወኪል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮይኑ ከገልግል ብኣንቶንዮ ጉተረዝ ዝተመዘዘ'ዩ።
ኮንግ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰፊሕ ተመኲሮ ዘለዎ ዲፕሎማሰኛ ኮይኑ፡ ክሳብ ክረምቲ 2025 ምክትል ፍሉይ ወኪል ሕቡራት ሃገራት (ፖለቲካዊ ጉዳያት) ኣብ ደቡብ ሱዳን ከምኡ'ውን ምክትል ሓላፊ ልኡኽ ዓቃቢ ሰላም ደቡብ ሱዳን (ኣንሚስ) ኮይኑ ዘገልግል ዝነበረ'ዩ።
ተወሳኺ መርምር
ሓጸርቲ ቪድዮታት
መወዳእታ ሓጸርቲ ቪድዮታት




